ንስነጥበባውያን #
ነዚ ቤተ መጻሕፍቲ ኣበርክቶ ስለምግባርኩም የቐንየልና!
ከነቕርቦ ንደሊዓይነት ስነ-ጥበብ፤
- ንለውጢ ክሊማ ኣፍልጦ ዝህብን ናይ ዝሓሸት ዓለም ራእይ ዘርኢ እዩ
- ናይ ቀረባ መጻኢ ኮይኑ ፋንታሲኣዊ ቴክኖሎጂ ዘይብሉ (ንኣብነት፥ ብናኖሮቦት ወይ ብደም ገበል ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ)
- ብዛዕባ ደቂ ሰባት፡ ማሕበረሰባትን ስልጣነን ከመይ ኢሎም ምስ ስነ፡ህይወት ሚዛን ዘለዎ ኣነባብራ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ዘርኢ
ስነ-ጥበብ AI ወይ ብኣጠቓቕማ AI ዝተፈጥረ ስነ-ጥበብ (ዋላ’ውን ቅርጺ ጥራይ ይኹን) ኣይንቕበልን ኢና።
ስነ-ጥበብኩም ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ከተቕርቡ ምስ እትደልዩ፡ እዚ ዝስዕብ ፤
- ኣርእስቲ ስራሕካ
- መግለጺ ስራሕካ
- ልዑል ረሶሉሽን ሰእሊ
- ዝተመርጸ ዝተወሰነ ፍቓድ (ፍቓድ መምረጽን ሓፈሻዊ ትዕዝብትን)
- ፍቓድ ስራሕካ እተረጋግጸሉ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገጽ / ጋለሪ ሊንክ
ንመጀመርታ ግዜኹም እንተኾይኑ፡ አዚ ብተወሳኺ ኣቕርቡ፤
- ስምካ / ቅጽል ስምካ / ብከመይ ኣፍልጦ ክትወሃብ ትደሊ
- ሓደ መስመር መግለጺ ገዛእ ርእስኻ፡ ምናልባት ምስ ተውላጠ-ስምካ/ሃገር / ቋንቋኻን
- ዝርዝር ናይ’ቶም ከነርእዮም እትደልዩ ሊንክስ፡ እንተላይ ፔጅካን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትካን፡ ፓትሮናትካን / ክፍሊት ትቕበለሉ ፖርታላትካን
እንተደሊኻ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ብAI ሞዴላት ከይሕከኽ ወይ ከይምሰል ዝከላኸሉ ዲጂታላዊ መሳርሒታት ግሌዘ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ግዴታ (ወይ ለበዋ) ኣይኮነን። ስነ-ጥበብ AI ንምፍታሕ እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ AI ዓቕሚ ዘይብሉ - ዘይክህልዎን - ምልክታት ዘለዎም ስርሓት ምፍጣር ምዃኑ ኣትሪረ እኣምን። ብ ናይ AI ሕግታ፡ ኮምፑተሽናል ፓወር ኣንጻር ኮምፑተሽናል ፓወር እንተተቓሊስና፡ ክንስዓር ኢና።
ንደቨሎፐራት #
ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ኣበርክቶ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ፡ ናብቲ ኣብ ኮድበርግ ወይ ጊትሃብ ዝርከብ መኽዘን ፑል ሪኲስት ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም! ከም ኣማራጺ ድማ ብማስቶዶን ወይ ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም!