ናብ ቀንዲ ትሕዝቶ ዝለል

ብኸመይ ኣበርክቶ ንገብር?

ፓዌል 'ኣልክስድ' ንገይ

ንስነጥበባውያን
#

ነዚ ቤተ መጻሕፍቲ ኣበርክቶ ስለምግባርኩም የቐንየልና!

ከነቕርቦ ንደሊዓይነት ስነ-ጥበብ፤

  • ንለውጢ ክሊማ ኣፍልጦ ዝህብን ናይ ዝሓሸት ዓለም ራእይ ዘርኢ እዩ
  • ናይ ቀረባ መጻኢ ኮይኑ ፋንታሲኣዊ ቴክኖሎጂ ዘይብሉ (ንኣብነት፥ ብናኖሮቦት ወይ ብደም ገበል ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ)
  • ብዛዕባ ደቂ ሰባት፡ ማሕበረሰባትን ስልጣነን ከመይ ኢሎም ምስ ስነ፡ህይወት ሚዛን ዘለዎ ኣነባብራ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ዘርኢ

ስነ-ጥበብ AI ወይ ብኣጠቓቕማ AI ዝተፈጥረ ስነ-ጥበብ (ዋላ’ውን ቅርጺ ጥራይ ይኹን) ኣይንቕበልን ኢና።

ስነ-ጥበብኩም ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ከተቕርቡ ምስ እትደልዩ፡ እዚ ዝስዕብ

  • ኣርእስቲ ስራሕካ
  • መግለጺ ስራሕካ
  • ልዑል ረሶሉሽን ሰእሊ
  • ዝተመርጸ ዝተወሰነ ፍቓድ (ፍቓድ መምረጽን ሓፈሻዊ ትዕዝብትን)
  • ፍቓድ ስራሕካ እተረጋግጸሉ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገጽ / ጋለሪ ሊንክ

ንመጀመርታ ግዜኹም እንተኾይኑ፡ አዚ ብተወሳኺ ኣቕርቡ፤

  • ስምካ / ቅጽል ስምካ / ብከመይ ኣፍልጦ ክትወሃብ ትደሊ
  • ሓደ መስመር መግለጺ ገዛእ ርእስኻ፡ ምናልባት ምስ ተውላጠ-ስምካ/ሃገር / ቋንቋኻን
  • ዝርዝር ናይ’ቶም ከነርእዮም እትደልዩ ሊንክስ፡ እንተላይ ፔጅካን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትካን፡ ፓትሮናትካን / ክፍሊት ትቕበለሉ ፖርታላትካን

እንተደሊኻ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ብAI ሞዴላት ከይሕከኽ ወይ ከይምሰል ዝከላኸሉ ዲጂታላዊ መሳርሒታት ግሌዘ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ግዴታ (ወይ ለበዋ) ኣይኮነን። ስነ-ጥበብ AI ንምፍታሕ እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ AI ዓቕሚ ዘይብሉ - ዘይክህልዎን - ምልክታት ዘለዎም ስርሓት ምፍጣር ምዃኑ ኣትሪረ እኣምን። ብ ናይ AI ሕግታ፡ ኮምፑተሽናል ፓወር ኣንጻር ኮምፑተሽናል ፓወር እንተተቓሊስና፡ ክንስዓር ኢና።

ንደቨሎፐራት
#

ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ኣበርክቶ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ፡ ናብቲ ኣብ ኮድበርግ ወይ ጊትሃብ ዝርከብ መኽዘን ፑል ሪኲስት ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም! ከም ኣማራጺ ድማ ብማስቶዶን ወይ ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም!

ደራሲ
Pawel ‘alxd’ Ngei
he/them | solarpunk hacker | the curator of SSL | Poland