ቅድሚ ሕጂ ፍቓድ ክሪኤቲቭ ኮመንስ ዘይተጠቐምኩም እንተኾይንኩም፡ በጃኹም ንዝተፈላለዩ ፍቓድ ዝምልከት መምርሒኦም ርኣዩ።
ከከም ባህሪ ናይ ፕሮጀክትካ፡ ነዞም ዝስዕቡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፤
ንግዳዊ ፕሮጀክት #
ን CC BY 4.0 ጥበብ ክትጥቀም፡ ነቲ ስነጥበባዊ ሞሳ ሃብ። ብዛዕባ ኣጠቓቕማኻ ምሕባር ኣየድልየካን’ዩ፡ ከምኡ ምስትገብር ግን ከም ጭውነት’ዩ ዝቑጸር።
ስራሓት CC0 ከም ህዝባዊ ንብረት ይቑጸሩ - ንደራሲ’ውን ሞሳ ምሃብ ኣየድልየካን’ዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ደራሲ እንተ ፍሉጥ ኮይኑ - ከምኡ ክትገብር ንላቦ!
ነቲ ስራሕ እንተዘይቀይርካዮ (ንኣብነት ኣካል ናይ ኮላጅ ብምግባር)፡ ፍቓድ CC BY-ND 4.0’ውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ! ብዛዕባ ምምሕያሽ/ሪሚክስ እንታይ ምዃኑ ዝያዳ ኣብዚ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ እንተ ኣመሓይሽካዮ፡ CC BY-SA 4.0 እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፡ እንተኾነ ግን ሪሚክስካ ብተመሳሳሊ ፍቓድ ክትዝርግሖ ኣለካ። ናጻ ኴንኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም - ምናልባት ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ዘርኢ ዛንታ’ውን ከነአንግዶ ንኽእል ኢና!
ዘይንግዳዊ ፕሮጀክት #
ፕሮጀክትካ ንግዳዊ ዘይኮነ እንተኾይኑ፡ CC BY 4.0ን CC BY-NC 4.0ን እውን ብናጽነት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ!
CC BY-ND 4.0ን CC BY-SA 4.0ን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መንገዲ ይሰርሑ፡ እንተኾነ ግን ንግዳዊ ዘይኮኑ ስሪታቶም፡ CC BY-NC-ND 4.0ን CC BY-NC-SA 4.0ን እውን ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝሓለፈ ስሪት ናይቲ ፍቓድ፡ CC BY-NC-ND 3.0 ዝተዘርግሐ ገለ ስነ-ጥበብ ኣለና!
ብሉጻት ልምድታት ስነጥበባውያን ሞሳ ምሃብ #
ክትጥቀመሉ እትደሊ ስነ-ጥበብ መሪጽካዮ ኣለኻ፡ ሕጂ እንታይ?
ክሪኤቲቭ ኮመንስ ዊኪ ብዛዕባ እቶም ንኣትሪብዩሽን ዝምከሩ ኣሰራርሓታት ጽቡቕ ጽሑፍ ኣለዎ፤
CC ፍቓድ ዘለዎም ስርሓት ዳግማይ ኣብ እትጥቀመሉ እዋን፡ እቲ ኣትሪብዩሽን ነቲ ኣርእስቲ፡ ደራሲ፡ ምንጪን ፍቓድን ከጠቓልል ንመክር። እቲ ስራሕ ከም ዘለዎ ትካፈል እንተኾንካ ወይ’ውን ለውጢ እንተገይርካ ብዘየገድስ። ነዞም ናይ ኣትሪብዩሽን ባእታታት ንምዝካር፡ ኣሕጽሮተ ቃል ኣ.ደ.ም.ፍ. ምሕሳብ ሓጋዚ’ዩ.
ኣርእስቲ፡ እቲ ስራሕ እንታይ ይበሃል?
ደራሲ፡ መን እዩ ነቲ ስራሕ ክትጥቀመሉ ዘፍቅደልካ?
ምንጪ፡ ሰባት ነቲ ስራሕ ኣበይ ክረኽብዎ ይኽእሉ?
ፍቓድ፦ ነቲ ስራሕ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧
ለውጢታት ብኸመይ ኣትሪብዩት ከም ትገብር ዝገልጽ ጽቡቕ ክፍሊ’ውን ኣሎ።
ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክሪኤቲቭ ኮመንስን ጽሑፍን ፍቓድን ተወከሱ - እዚ ገጽ እዚ ናይ ዌብሳይት ሊንክ ዘለዎ መምርሒ ጥራይ እዩ!